Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 ግንቦት 2026)

Daily News SBS Tigrinya

ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥


ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ካል ኣይ ክፋል ከነቕርብ ኢና።

ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ዝቐረበ ናይ ፌደራል ኣውስትራሊያ ባጀት ሒዝዎም ዘለዉ ቁምነገራት እንታይ እዮም፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ፡ ስትራተጅያዊ ስምምዕ ኣሐዲሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ

ልቓሕ ተሰማሚዖም።

ኣብ ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ኣልዒላ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ [ሸ ጂን-ፒንግ] ንምዝርራብ በይጂንግ ኣትዩ።

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ፡  ሃገራት ንተወሳኺ  ኵነታት ለበዳ ሃንታ ቫይረስ ክዳለዋ ከም ዘለወን ኣጠንቂቑ ።

ኣውስትራሊያዊ  ኣትሌት ጎት ጋት ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝካየድ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ውድድር ናይ 200 ሜትሮ ከምኡውን 4x400 ሜትሮ ናይ ምቅብባል ዉድድር ክሳተፍ እዩ ።

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now