ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መሮን ሰመዳር፡ ኣብ ሳሕል ዓብዩ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እኳ እንተገበረ ክልተ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ኣባል ባይቶ ከተማ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ እዩ። ብዛዕባ ናብዚ ዝበጽሓሉ ጉዕዞ ህይወቱን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካን ኣዕሊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሃይማኖት ዝገብሮ ግህሰት ብምቕጻል፡ 24 ኣመንቲ ጂሆቫ ኣሲሩ ተባሂሉ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ " ህዝባዊ ዋዕላ ብሄራዊ ድሕነትን ስምረትን " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ኣሳሊጡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ንባህልን ልምድን ማሕበረሰብ ግሪኽ ብምዕቃባ ንቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪኽ ንኢዱ ። ኣብ ማእከላይ እስራኤል ከተማ ቢንያሚና ብመጥቃዕቲ ድሮን 20 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ኣገልግሎት ምድሓን እስራኤል ገሊጹ። ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2024) | SBS Tigrinya