ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2024)

News studio.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 15 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎንደር ኤርትራዊ ህጻን ተጨውዩ ተባሂሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ንዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም ሶማልያ እማመ ኬንያ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ነፂጋ ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ ዜናታት ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገበርክዎ መጥቃዕቲ ዕዉት ነይሩ ትብል ፡ እስራኤል ድማ ሕነ ከምትፈዲ ኣጠንቂቓ ። ኣብ ከተማ ሲድኒ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ብካራ ተሃሪዶም ዝሞቱ ሰባት መንነቶም ክግለጽ ጀሚሩ ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ እንተወሲና ኣመሪካ ከምዘይትሳተፎ ኣፍሊጣ ። ማራቶን ሮተርዳም ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያዊት ኣሸተ በከር ተዛዚሙ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2024 ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ። ኣብ ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ማቸስተር ሲስቲ ብገፊሕ ኣብ ዝተዓወተትሉ፡ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስዕረት ኣጋጢምወን።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service