ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሰነ 2023)
ናይ ሓሙስ 15 ሰነ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣዚዩ ተራቒቑ፡ ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ዝበሃል ማዕቢሉ ኣሎ። እዚ ምዕባለ ንወዲ ሰብ ናብ ሓድሽ ናይ ምዕባለ ኩነታት ዘሰጋግር ተባሂሉ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን፡ ብቛንቋ ትግርኛ ንምጥቃም ብዘኽእል መገዲ ከምዘማዕበሉ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን ይዛረብ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ድኻም ልቢ እንታይ እዩ: ገለ ካብቶም ንኽትፈልጦም ዝሕግዙ ቀንዲ ምልክታትንከ እንታይ እዮም ? ኣብዚ እዋን ልዕሊ 500,000 ኣውስትራሊያዊያን ድኻም ልቢ ኣለዎም ፡ ብዙሓት ድማ ገና ዘይተመርመሩ ክኾኑ ይኽእሉ ። ኣብ ዙርያ እቲ ኩነታት ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝዓለመ ሓዱሽ ናይ ኣውስትራሊያ ቀዳማይ መምርሒ ይጅመር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ናብ ወጻኢ ክትጓዓዙ’ከለኹም ዘድልይኹም ኣገደስቲ ክታበታት። ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተሳተፉሉ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተፈጸመ ተገሊፁ። ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ዳግማይ ዝተጸምበረትሉ ኣኼባ ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ፕሬዚዳንት ግ/ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘትዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሎም” ክብል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ነበርትን ሓይልታት ፀጥታን ተጋጭዮም ጉድኣት ከም ዝወረደ ተሓቢሩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ገማግም ግሪኽ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ እንተ ወሓደ 79 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ግና ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ ። ** ኤውሮጳዊ ኅብረት ኣብ ዓለም ንኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝምልከት ናይ መጀመርታ ሰፊሕ ሕግታት ኣውጺኡ ኣሎ ። ** ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ዳግማይ ዝተጸምበረትሉ ኣኼባ ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
Share