ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሰነ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሓሙስ 15 ሰነ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣዚዩ ተራቒቑ፡ ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ዝበሃል ማዕቢሉ ኣሎ። እዚ ምዕባለ ንወዲ ሰብ ናብ ሓድሽ ናይ ምዕባለ ኩነታት ዘሰጋግር ተባሂሉ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን፡ ብቛንቋ ትግርኛ ንምጥቃም ብዘኽእል መገዲ ከምዘማዕበሉ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን ይዛረብ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ድኻም ልቢ እንታይ እዩ: ገለ ካብቶም ንኽትፈልጦም ዝሕግዙ ቀንዲ ምልክታትንከ እንታይ እዮም ? ኣብዚ እዋን ልዕሊ 500,000 ኣውስትራሊያዊያን ድኻም ልቢ ኣለዎም ፡ ብዙሓት ድማ ገና ዘይተመርመሩ ክኾኑ ይኽእሉ ። ኣብ ዙርያ እቲ ኩነታት ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝዓለመ ሓዱሽ ናይ ኣውስትራሊያ ቀዳማይ መምርሒ ይጅመር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ናብ ወጻኢ ክትጓዓዙ’ከለኹም ዘድልይኹም ኣገደስቲ ክታበታት። ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተሳተፉሉ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተፈጸመ ተገሊፁ። ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ዳግማይ ዝተጸምበረትሉ ኣኼባ ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ፕሬዚዳንት ግ/ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘትዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሎም” ክብል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ነበርትን ሓይልታት ፀጥታን ተጋጭዮም ጉድኣት ከም ዝወረደ ተሓቢሩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ገማግም ግሪኽ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ እንተ ወሓደ 79 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ግና ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ ። ** ኤውሮጳዊ ኅብረት ኣብ ዓለም ንኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝምልከት ናይ መጀመርታ ሰፊሕ ሕግታት ኣውጺኡ ኣሎ ። ** ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ዳግማይ ዝተጸምበረትሉ ኣኼባ ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service