ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (15 ግንቦት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 15 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ፈደራል መንግስቲ ባጀቱ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፥ ኣብ ማሕበራዊ ደገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ደገፍ ኣካለ ስንኩላንን ካልእን ብፍላይ ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰባትና ዝራኸቡ ጉዳያት እዚ ባጀት እንታይ ጽልዋ እዩ ከምጽእ፧ ማሕበረሰባትና በዚ ባጀት ተረባሕቲ ድዮም ወይስ ክጉድኡ እዮም፧ ነዚ ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንኪኢላ ፋይናንስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ቀዳማይ ክፋል ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪብና ነይርና ሎሚ ዝተረፈ ትሕዝቶ ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣንበጣ 76 ቢልዮን ኣናህብ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህወሓት ንዝርከቦም ሰለስተ ውድባት ትግራይ ከም ዘይምዝግቦም ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዛት ፍርያት ሕርሻ ኣበርኪቱ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሱዳን ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ነጺጋ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** መንግስቲ ቪክቶሪያ ነቲ ናይ ናዚ ሰላምታ ዝምልከት ንምእጋድ ዝቐልጠፈ ስጕምቲ ክወስድ ምሕጽንታ ቐሪብሉ። ** ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ፡ ነበርቲ ካርቱም መዓልታዊ ህይወቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ገና ተስፋ ኣይረኽቡን ። ** ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (15 ግንቦት 2023) | SBS Tigrinya