SKIP TO MAIN CONTENT

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (15 ግንቦት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 15 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ፈደራል መንግስቲ ባጀቱ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፥ ኣብ ማሕበራዊ ደገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ደገፍ ኣካለ ስንኩላንን ካልእን ብፍላይ ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰባትና ዝራኸቡ ጉዳያት እዚ ባጀት እንታይ ጽልዋ እዩ ከምጽእ፧ ማሕበረሰባትና በዚ ባጀት ተረባሕቲ ድዮም ወይስ ክጉድኡ እዮም፧ ነዚ ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንኪኢላ ፋይናንስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ቀዳማይ ክፋል ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪብና ነይርና ሎሚ ዝተረፈ ትሕዝቶ ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣንበጣ 76 ቢልዮን ኣናህብ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህወሓት ንዝርከቦም ሰለስተ ውድባት ትግራይ ከም ዘይምዝግቦም ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዛት ፍርያት ሕርሻ ኣበርኪቱ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሱዳን ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ነጺጋ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** መንግስቲ ቪክቶሪያ ነቲ ናይ ናዚ ሰላምታ ዝምልከት ንምእጋድ ዝቐልጠፈ ስጕምቲ ክወስድ ምሕጽንታ ቐሪብሉ። ** ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ፡ ነበርቲ ካርቱም መዓልታዊ ህይወቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ገና ተስፋ ኣይረኽቡን ። ** ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now