ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሕዳር 2022)
ናይ ሰኑይ 14 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብ፥ ጸብጻብ ልኡኽና፥ እቲ ስምምዕ ከይትግበር ዝዕንቅፉ ኣለዉ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተዛሪቦም። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጉዳያት ክእረሙ ዝግብኦም ጉዳያት ብምሕባር ተግባራዊ ክኸውን ፀዊዑ። ህወሓት እውን ምስ ሰራዊት ትግራይ ርክብ ከም ዘይብሉ ኣነጺሩ። ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ዝጠልቡ ሰልፍታት ኣብ ኣውስትራልያን ጣልያንን ተኻይዶም። ኣብ ደሞም ኤች ኣይቪ ንዘለዎም ተጋሩ መድሓኒት ተኸልኪሉ ክብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ከሲሱ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም ብዛዕባ ሳይቨር ሰኲሪቲ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ኦፕተስን መዲባንክን ናይ ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ተሰሪቑ ኣብዝበሃል ዘሎ እዋን፡ ሓደጋኡን ክግበር ዝግብ ኦ ነገራትን ከብርሃልና ንሓደ ኪኢላ ዓዲምና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ኣብ ዋዕላ G-20 ናብ ባሊ ኣምሪሑ ፣ ኣብ መገሻኡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ [ሺ ጂንፒንግ] ኽእከብ ተኽእሎ ከምዘሎ ትጽቢት ይግበር ። ** ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ቪክቶርያን ኒው ሳውዝ ዌልስን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ፡ ሓደገኛ ምዕልቕላቕ ማይ ኣስዒቡ ፣ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ኺግዕዙ ተነጊርዎም ። ** ኣብ ኢስታንቡል ፡ ቱርኪ ብዝተጻወደ ቦምብ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ 81 ድማ ቈሲሎም ።
Share