Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya News

ን ሎሚ ሓሙስ 16 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 16 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥


ኣብ ሱዳን ንሰለስተ ዓመት ብዘስካሕክሕ ኩነታት  ኲናት ተኻይዱ ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፡ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ረድኤት ደው ምባል ፡ ሱዳን "ኣብ ገምገም ምፍራስ" ገይርዋ ኣሎ ። ው.ሕ.ሃ. ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሱዳን ከባቢ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ሃዲሞም ከም ዘለዉ ይግምት ። ነዚ ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎን ንሱዳን ናብ ክልተ ዝገምዐ ቅልውላው ዝድህስስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

 ሎሚ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ን ኣገልግሎት ሕጋዊ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራሊያ: ክድህስስ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ተዘራሪቡ።

ግብጺ ብወገና ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ኣላ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ደኺሞም ደቂሶም 'ንዓድና ምለሰና' ካብ ዝበሉዎ ተመዛበልቲ ብዙሓት ከም ዝሞቱ ከም ዘረጋገጸ ተዛሪቡ።

ናይ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ይትባረክ ዳዊት ዝተባህለ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብገበን ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠረጠሩ 11 ሰባት ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ኣውስትራልያን ብሩናይን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ኣዝዩ ከም ዘሻቕለን ገሊጸን ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ከም ዝተሓባበሩ ቃል ኣትዮም ኣለዉ ።

ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራልያ መጠን ዝቕባበ ኣዝዩ ሓደገኛ ትንበያ ድሕሪ ምሃቡ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኣገዳሲ ዝርርብ ገይሹ ።

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ንሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ብክልተ ሸቶታት ንባዶ ኣብ ናይሮቢ ስዒራታ ።

 

 Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now