ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service