SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 17 ሚያዝያ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ኣብጽሓኩም እናበልና፡ ኣብ ናይ ሎሚ ምአደብና ነዚ ዘንጸባርቕ ምስ ድያቆናት ኦርቶዶክሳዊት በተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ከምኡውን ምስ ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ብርስበን ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከም ዝፈረሰ ኣፍሊጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እሱራት ክፍትሑ ወሲኑ። ልቓሕ ኢትዮጵያ ከይቃለል እቲ ካብ ቻይና ዝወሰደቶ ልቓሕ ዕንቅፋት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ኮሚቴ ምክልኻል ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ እትርከበን 6 ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰባት ክግምገም እዩ ተባሂሉ። ሲፒጄይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ፀቕጥን ማእሰርትን ደው ክብል ፀዊዑ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ወርቂ ዝስራዕ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ሮተርዳም ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፉ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዉበቱ ኣባተ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ኣብ ዙር ዶብስ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ከኣ ኣብ ዙር ሲሲሊያ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሱዳን ምስ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ደማዊ ቃልሲ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝረኸበ ይግለጽ ኣሎ ** ፈደራላዊ ተሓዝ ገንዘብ ዶክተር ጂም ቻለምስ ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ዝቐርብ ፈደራላዊ ባጀት ንስድራ ቤታት ፡ ግቡእ ቊጠባዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ። ** ኣርሰናል ኣብ ለንደን ስታድዩም ምስ ዌስት ሃም ድሕሪ ዝገበረቶ ግጥም 2ብ2 ጸወታኣ ብምድምዳሙ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ክልተ ወሳኒ ነጥቢ ሲኢና ኣላ ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now