ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025)

SBS Tigrinya news

Source: Getty

ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ልምዓት ኮሪደር' ብቕልጡፍ ደው ከብል ኣምነስቲ ኣተሓሳሲቡ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡” ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ካልኣይ ናይ መራሕቲ ክትዕ ዛዕባ ፖሊሲ ኣባይቲን ሃገራዊ ድሕነትን ፡ ዓብሊልዎ ኣምስዩ ። ፈረንሳ ን12 ኣባላት ዲፕሎማስያውን ቈንስላውን ሰራሕተኛታት ካብ ኣልጀርያ ትስሕብ ። ኣብ መብዛሕት አን ዋና ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዋጋታት ዋጋ መንበሪ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ብገምጋም ንናይ ሚሊዮን ዶላር መስመር ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service