ንሎሚ 17 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ። ሎሚ ካልኣይ ክፋል ዕላል ክቐርብ እዩ።
መራሒ ቨኑዝወላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ብ መንግስቲ ኣመሪካ ምትሓዙ ዘይተለምደ መንገዲ እዩ ነይሩ። ሕጂ ክኢላታት እዚ ምስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ። ነዚ ዝተመልከተ ትሕዝቶ ኣለና
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡
ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ።
ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ።
ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።
ዘፈር ዕደና ኢትዮጵያ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝረኸበ ሚኒስቴር ዕደና ኣፍሊጡ።
ኣርእስታት ዜና፥
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ መጀመርታ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ኣኑቲን ቻርነቪራኩል ክቕበሎ እዩ ።
ሓለቓ ሰራዊት ኢራን ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝቐተለ ወይ ዝሓዘ ፡ ናይ 30,000 ዶላር ኣመሪካ [42,500 ዶላር] መቑሽሽ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ።
እቲ ናይ ኣተኒስ U ዝቕርጹ ስታድዩም ፓናትንኣይክ ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ንፈለማ እዋን ብስርዓታዊ ኣገባብ ክጸሪ ጀሚሩ ።





