SKIP TO MAIN CONTENT

ጉዳይ ኒኮላስ ማዱሮ - ዓለም ዘሰንበደ ህሞት፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፍተነሉ ኮይኑ'ሎ

A man in custody being walked by security personnel and the US president to the right looking at him
Nicolás Maduro pleaded not guilty to drug trafficking and other charges in his first appearance at a New York court. Source: AAP

ዓለም ዘሰንበደ ህሞት ኔሩ፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይፍትን ኣሎ። ምትሓዝ ኒኮላስ ማዱሮ ዘይተለምደ መንገዲ ሒዙ’ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝበጽሐ። ሕጂ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ።


Published

By Cameron Carr

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS News


Skip to podcast episode content

ዓለም ዘሰንበደ ህሞት ኔሩ፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይፍትን ኣሎ። ምትሓዝ ኒኮላስ ማዱሮ ዘይተለምደ መንገዲ ሒዙ’ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝበጽሐ። ሕጂ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ።


ሓደ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ኣብ ፈደራል ቤት ማእሰርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ማእሰርቲ ግዚኡ ወዲኡ ድሕሪ ምልቃቑ ድሕሪ ወርሒ፣ ካልእ መራሒ ወጻኢ ሃገር ተታሒዙ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ።

ጉዳያቶም ገለ ዘገርም ምምስሳላት ይረኣየሎም። ክልቲኦም ምስ ምስግጋር ሓሽሽ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ብሰብመዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዒላማ ኣትዮም ዝነበሩ ፕረዚደንታት ኔሮም። እቲ ካልእ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝለዓለ መጠን ዘመሳስሎም ግን ክልቲኦም ኣብ ሓደ ፈደራል መዳጎኒ መሳለጥያ ኣብ ብሩክሊን፣ ኒውዮርክ፣ ተታሒዞም ምንባሮም’ዩ።

እዚኦም መራሕቲ ነበር ዩዋን ኦርላንዶ ሄርናንደዝ ናይ ፔሩን ኒኮላስ ማዱሮ ናይ ቨነዝወላን’ዮም።

እዚ ሓደ ኣትዩ ካልእ ዝወጸሉ ህሞት ዝተፈጥረ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኮይኑ ኒኮላስ ማዱሮ፣ ኣርባዕተ ዓመታት ዩዋን ሄርናንደዝ ተታሒዙ ድሕሪ ምእሳሩን፣ ሃንደበት ብፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ምሕረት ምስ ተገብረሉ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ’ዩ።  

ጉዳይ ማዱሮ ሕጂ ክልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ መንገድታት ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጎድኒ ንጎድኒ ኣቐሚጥዎም ይርከብ፣ እቲ ሓደ ሓደ ፕረዚደንት ስልጣኑ ምስ ገደፈ ወይ ምስ ወረደ ካብ ዓዱ ናብ ካልእ ሃገር ከም ዝርከብን ኣብ ሕጊ ከምዝቐርብን ዝገብር፣ እቲ ካልእ ድማ ብመንገዲ ሓደ ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ፕረዚደንት ካብ ገዛእ ሃገሩ ካብ ስልጣን ዘወገደ ወተሃደራዊ ስርሒት።

መስርሕ ፍርጊ ማዱሮ ንምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፧

ዘይከም ሀርናንደዝ፣ ማዱሮ ፕረዚደንት ቨነዝወላ’ንከሎ’ዩ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ስርሒት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተታሒዙ ብቐጥታ ናብ ኒውዮርክ ከምዝበርር ዝተገብረ። ሀርናንደዝ ብኣንጻሩ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ’ዩ ብመንገዲ ሓደ ወግዓዊ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ዩኤስ ተታሒዙ ክኸይድ ዝተግብረ።

እዚ ፍልልይ ንሕቶታት ሉኣላውነት፣ ዘይተሓታትነት መራሒ ሃገርን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብ ማእከል መስርሕ ፍርዲ ማዱሮ ከምዝኾኑ ወይ ከምዝርከቡ ገይርዎም።

ማዱሮ ፈለማ ኣብ 2013’ዩ መቐናቕንቱ ዘይተቐበሎ ወይ ተቐባልነቱ ዝተጠራጠሮ ምርጫ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ። ብመንገዲ ክልተ ካልኦት ፕረዚደንታዊ እብረ ስልጣናት፣ ኣብ ትሕቲ ተደጋገምቲ ክስታት ምድንጋራት ምርጫታትን ጭቆናታትን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ። 

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ንማዱሮን ላዕለዎት ኣባላት መንግስቱን ብመንገዲ ቨነዝወላ ተጠቒሞም ምስግጋር ኮከይን ኣሳሊጦም ኢላ ክትከሶም ጸኒሓ። ኣኽበርቲ ሕጊ ዩኤስ፣ ሰበስልጣን ቨነዝወላ ትካላት መንግስትን ስልጣኖምን ተጠቒሞም ንሓሽሽ ዘሰጋግራ ትካላት ሽፋንን ቀረብ ሎጂስቲክስ ሂቦም ክብሉ ከሲሶሞም።

ማዱሮ ብተደጋጋሚ ነዞም ክስታት ነጺግዎም፣ ነዚ ክሲ ዩኤስ ድማ ብፖለቲካ ዝተበገሰ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ኣርባዕተ ፈደራላዊ ክስታት ገበን ይጽበይዎ’ለዉ፣ ውዲት ናርኮ-ቴረሪዝም፣ ውዲት ምእታው ኮከይን፣ ምውናን ማሺን ጋንስን ኣዕነውቲ መሳርሒታትን፣ ከምኡ’ውን ውዲት ንምውናን ማሺን ጋንስን ኣዕነውቲ መሳርሒታትን ዝብሉ’ዮም። ኣይወዓልኩዎን ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ።

እዞም ክስታት፣ ማዱሮ በቶም ክስታት ናርኮ-ተረሪዝም እንተተፈሪዱ፣ ንክውንነት እስራት ዕድመ ልክዕ ወሲኹ፣ ከም ተኽእሎ ነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ዝስከሙ’ዮም።

እንተኾነ ግን እቶም ገበናዊ ክስታት ክፋል ናይ’ቲ ዛንታ ጥራይ’ዮም። ኩነታት ምትሓዝ ማዱሮ ዝሰፍሑ ጉዳያት ሕጊን ዲፕሎማስያዊ ሕቶታትን ኣልዒሎም ኣለዉ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ንዘሎ መራሒ ሓንቲ ሃገር ክትሕዝን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ከተቕርቦን ስልጣን ኣለዋ ድዩ ዝብል ወሲኽካ ማለት’ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ስርሒት፣ ማዱሮ ሕጋዊ ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኣይነበረን፣ ስለ’ዚ ንሓደ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ መንግስቲ ዝወሃቦ ንቡር ሽፋን ክሓትት ኣይክእልን’ዩ ኢሉ ብምክርኻር ተኸላኺልሉ።

ንገለ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘካተቱ ነቐፍቲ ግን እዚ መጎተ ነቲ ሃገራዊ ሉኣላውነትን ዘይምትእትታውን ዝብሉ ኣምራት ክሰግር እኹል እንተኾይኑ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውዎ፣ ብፍላይ ድማ ማዱሮ ብመስርሕ ምርኽኻብ ክልተ ሃገራት ዘይኮነ ብሓይልታት ዩኤስ ካብ ስልጣኑ ምውጋዱ ኣብ ግምት የእቲኻ።

ንብዙሓት ምሁራት ዓለምለኻዊ ሕጊ፣ እዚኦም ሕቶታት ልክዕ ከም’ቶም ቀሪቦምሉ ክስታት ባዕሎም ማዕረ ክብደት ዝወሃቦም ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ሕግታት ግፍዒ፣ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት መንግስትን ብፍሉይ ትነጥፍ፣ መምህርን ናይ ሓባር ዳይረክተርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ከርቲን ሎው ስኩል ዝኾነት ይቮን ብራይዋይዘር-ፋሪያ፣ ማዱሮ ካብ ቨነዝወላ ክውሰድ ዝተገብረሉ ኣገባብ ብዓሚቕ ዘሻቕል’ዩ ትብል።

“መልሰይ ዝነበረ ዓቢይ ሻቕሎት’ዩ - ናይ ቀደም መራሒ ነበር ካብ ተሓታትነት ነጻ ክኸውን ስለዘለዎ ዘይኮነስ፣ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ክቐርብ ዝተገብረሉ ኣገባብ’ዩ፣” ክትብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢራ።

ንሳ እቲ ዝተባህለ በይናዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ዩኤስ ንስምምዕ ምርኽኻብ ገበነኛታት፣ ምትሕብባር ምስ ሰብመዚ ቨነዝወላን ዓለምለኸ ፍትሓዊ መስርሓትን ዝሰግር’ዩ ክትብል ትምጉት።

"እዚ ኣብ ትሕቲ እገዳ ምጥቃም ሓይሊ፣ ናይ ዘይምትእትታው ኣምርን ሉኣላውነት መንግስታትን ከበድቲ ሕቶታት የልዕል።” ክትብል ትውስኽ።

ካልኦት መራሕቲ፣ ዝተፈላለዩ መንገድታት

ማዱሮ ናብ ሕጊ ዝቐረበሉ እምበኣር ነቶም ንኣሽቱ ቁጽሪ ዘለዎም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብመንገዲ’ቶም ቤት ፍርድታታ ኣቢላ ዝሃደነቶም ናይ ደገ መራሕቲ ዝምልከቱ ጉዳያት ተጸንቢሩ’ሎ።

እቲ ዝቐረበ ታሪኻዊ ምንጽጻር ወይ ተመሳሳልነት ዘለዎ፣ ቅድሚ ኣብ ዩኤስ ከምዝፍረድ ምግባሩ ኣብ 1989 ወራር ፓናማ ብዩኤስ ዝተታሕዘ ናይ ቀደም ወተሃደራዊ መራሒ ፓናማ ነበር ማኑወል ኖሪየጋ’ዩ።

እቲ ወራር ባዕሉ ብዝለዓለ መጠን ኣካታዒ ኔሩ፣ ሓፈሻዊ ባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊን ሉኣላውነት ፓናማን’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ልክዕ ከም ማዱሮ፣ ኖሪየጋ ነጻ ተሓታትነት ካብ ሕጊ ሓደ መራሒ ሃገር ይግባኣኒ’ዩ ክብል ተማጒቱ - ኣብ ልሙድ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ንሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ መንግስቲ ካብ ስልጣናት ገበናዊ መርመራ ዘቤታዊ ቤት ፍርድታት ናይ ደገ ሃገራት ክከላኸለሉ ዝኽእል ዓይነት ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብር ሽፋን’ዩ።

እቲ ዕላማ ንምሕላውን ምክልኻልን ሉኣላዊ ማዕርነትን ዝተረጋግአ ዝምድናታት ኣብ መንጎ መንግስታትን’ዩ።

እቲ ነጻነት ካብ ተሓታትነት ግን ኣብ ዝኾነ ኩሉ ኩነታት ፍጹም’ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ስፍሓቱ ሓደ መራሒ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ድዩ ኣይኮነን፣ ዓይነትን ተፈጥሮን ናይ’ቶም ሕጋውያን መስርሓትን ስርዓት ሕግን ዝምርኮስ ክኸውን ይኽእል።

ንጉዳይ ኖሪየጋ ኣብ ዝምልከት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ሕጋዊ መራሒ ፓናማ ኣፍልጦ ክትህቦ ድሕሪ ምእባያ ንመሰል ነጻነቱ ካብ ሕጋዊ ተሓታት ነጺጋቶ።

ብዘይካ ማዱሮ፣ ኖሪየጋን ሄርናንደዝን፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ምሓዝ ወይ ብሕጊ ምሕታት ካልኦት ውሑዳት መራሕቲ ዓለም’ውን ቀጥታዊ ተራ ተጻዊታ’ያ።

ኣብ 2003, ሓይልታት ዩኤስ ቅድሚ ናብ’ቶም ድሒሮም ኣብ ፍርዲ ዘቕረብዎን ንሞት ዝፈረድዎን ሰብመዚ ዒራቕ ምምሕልላፎም፣ ንመራሒ ዒራቕ ሳዳም ሑሰይን ሒዞሞ። ኣብ ታሕሳስ 2006 ድማ ብመሕነቕቲ ተቐጺዑ።

ኣብ 2011, ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ምትሓዝን መቕተልትን መራሒ ሊብያ ሙዓመር ቓዛፊ ብተጻባእቲ ሓይልታት ዘምርሐ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ሊብያ ተጸምቢሮም።

ካልኦት ልዑል-ተፈላጥነት ዝረኸቡ መስርሓት ሕጊ ኣብ ካልኦት ቦታታት ኣዝዮም ዝተፈልዩ ሕጋውያን መንገድታት ተኸቲሎም።

ውልቀመላኺ ቺለ ነበር ኣውጉስቶ ፒኖሸይ፣ ስፐይን ምስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰሩ ክስታት ናብኣ ክርከብ ድሕሪ ምጥላባ ኣብ 1998 ኣብ ብሪጣንያ ተታሒዙ። ኣብ 2012 ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ቻርለስ ተይለር ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተኸሲሱ ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ንሲየራ ሊዮን ተፈሪዱ፣ መራሒ ቻድ ነበር ሒሰን ሓብረ ድማ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ኲናት፣ ከምኡ’ውን ስቓይ፣ ብፍሉያት ኣፍሪቃውያን ጨንፈራት ፍርዲ ኣብ 2016 ተኸሲሱን ተፈሪዱን።

"እዚኦም ጉዳያት ዘርእይዎ መራሕቲ ካብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ወጻኢ ክሕተቱ ከምዝኽእሉ’ዩ፣” ድሕሪ ምባል፣ ብራይትዋይዘር-ፋሪያ፣ “እንተኾነ ግን ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ ካብ ሃገሩ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምእላዩ ወይ ምውጋዱ ኣይድግፉን’ዮም” ክትብል ወሲኻ።

እቲ ፍልልይ ኣገዳሲ’ዩ። እዚኦም ጉዳያት፣ ንምርካብ፣ ዘቤታዊ መስርሕ ፍርዲን ዓለምለኻዊ ወይ ዝተሓናፈጹ መጋባእያታትን ዘካተተ፣ ዝተፈላለዩ መስርሓት (ሚካኒዝማት) ሕጊ ኣካቲቶም። ኩነታት ነብሲ ወከፍ ጉዳይ ብተወሳኺ ፍልልይ ኣለዎም፣ ማለት ምስ ምትሓዝ ማዱሮን ንዕኡ ዝተኸተለ መስርሕ ፍርዲን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ዝተፈላለዩ መነጻጸሪ መበገሲ ነጥብታት ይህቡ።

ብራይትዋይዘር-ፋሪያ ብተወሳኺ ሕጋውነት ኣብ ቀይዲ ምእታውን ሕጋዊ ክልል ሓደ ቤት ፍርዲ ንምፍራድ ሓደ ተኸሳስን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሕጊ ምዃኖም ከም መዘኻኸሪ ክኸውን ናብ’ቲ እስራኤል ኣብ ኣርጀንቲና ዝሓዘቶ ልዑል ስልጣን ዝነበሮ በዓል መዚ ናዚ ኣዶልፍ ኤይኽማን ተመልክት።

ሓደ ተኸሳሲ ኣብ መወዳእትኡ ዋላ ይፈረድ’ምበር ትብል ንሳ፣ ናብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከመይ መጺኦም ዝብሉ ሕቶታት ሱቕ ኢሎም ኣይጠፍኡን’ዮም።

ፖለቲካን ተሓታትነትን

ገለ ምሁራት ሕቶታት ሕጊ ካብ ፖለቲካ ክፍለዩ ኣይክእሉን’ዮም ክብሉ ይከራኸሩ።

መምህር ግሎባዊ ታሪኽ ኣብ ዩኒቨርሲትይ ኦፍ መልበርን ዝኾነት ሳራ ዎልሽ ፍርዲ ማዱሮ ሓያላት ፖለቲካውያን መራሕቲ ከመይ ኢሎም ኣብ ተሓታትነት ብዛዕባ ዝቐርብሉን እቶም መለክዒታት ድማ ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ብዛዕባ ዝትግበርሉን ሰፋሕቲ ሕቶታት የልዕል ትብል።

"ኒኮላስ ማዱሮ ከም ርድኢት ህይወት ቨነዝወላውያን ንምምሕያሽ ዋላ ሓንቲ ዘይገበረ ውልቀመራሒ እንተኾነ’ኳ፣ ግሎባዊ ማሕበረሰብ ትርጉም ብዘለዎ ዝተፈልየ ካብ ዶናልድ ትራምፕ ገይሮም ክሕዝዎ ይሕተቱ. . . ።” ክትብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢራ።

መንግስቲ ማዱሮ ንክስታት ውልቀምልክነትን ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ይነጽጎ፣ ዓለምለኻውያን መንግስታትን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ግን መዝገብ ታሪኹ ኣብ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ክነቕፈኦ ጸኒሐን።

“ንሕና እዚኦም ሰብኡት ትርጉም ብዘለዎ ፍልልይ ክንርእዮም ኢና ንሕተት ዘለና፣ ምኽንያቱ ማዱሮ ብተሳትፎኡ ኣብ ናርኮተረሪዝም ተባሂሉ’ዩ ዝፍረድ ዘሎ፣ ናይ ትራምፕ ፈጺምዎም/ዝፍጽሞም ዝተባህሉ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ገበናት፣ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ውርደታት ብልሽውናን ከም’ዚ ዘገድሱ ዘይኮኑ፣” ክትብል ዎልሽ ትገልጽ።

ክትዓት ኣብ ሕጋዊ ተሓታትነት ብተወሳኺ፣ እቶም ኩነታት በበይኖም እንተኾኑ’ኳ፣ ንፖለቲካዊ መራሕቲ ሃገራት ሩስያ፣ ቻይና፣ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን’ውን ኣካቢቦሞሞ’ዮም። ንማዱሮ፣ እዞም ሕቶታት ኣብ ጎድኒ’ቶም ዘይተፈትሑ ዛዕባታት ወይ ጉዳያት፣ ንምትሓዙን ጠለባት ነጻነት ካብ ሕጋዊ ተሓታትነትን ዝምልከት ክቕመጡ’ዮም።

ማዱሮ ድሕሪ ምትሓዙ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረክብ ይኽእል ድዩ፧

እቲ ክትዕ ኣብ ምትሓዝ ማዱሮ ኣብ ሕጋውነት’ቲ ምትሓዙ ጥራይ ኣይኮነን ዝውዳእ። እቲ ዝተፈልየ ሕቶ ዝኸውን ሓደ ተኸሳሲ ዘይሕጋዊ ክኸውን ብዝኽእል ኣገባብ ኣብ ቅድሚኡ ድሕሪ ምምጽኡ ሓደ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ ዝኾነ መስርሕ ፍርዲ ከካይድ ይኽእል ድዩ ዝብል’ዩ።  

ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ሓደ ጥርጡር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለዝተታሕዘ፡ ንገበናዊ መስርሕ ብቐጥታ ውዱቕ ዝገብር ሓደ መምርሒ ሕጊ የለን።

ኣብ ክንድኡ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ክፈርዳ ስልጣን ኣለወን ድዩ፣ ግቡእ መስርሕ ይኽበር ኣሎ ድዩ፣ ከምኡ’ውን ተኸሳሲ ፍትሓውን ዘይሻራውን መስርሕ ፍርዲ ይረክብ ኣሎ ድዩ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከእትዋ ይኽእላ እየን።

ስለዚ ሕጋውነት ሓደ ማእሰርትን ሕጋውነት ስዒቡ ዝመጽእ ፍርድን ክልተ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሕቶታት ክኾኑ ይኽእሉ።

ጉዳይ ማዱሮ ነዚ ፍልልይ ናብ ልዑል ቆላሕታ የምጽኦ።

ነቐፍቲ ካብ ቬንዙዌላ ብሓይሊ ምእላዩ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ግን እቶም ጥሕሰታት ዝበሃሉ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ከይሰምዖ ወይ ንፍትሓዊ ፍርዲ ዘድሊ መከላኸሊታት ካብ ምሃብ ዝኽልክሉ ኣይኮኑን ይብሉ።

ንጁሊየት ማክኢንታየር ዝተባህለት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣደላይድ ላዕለዋይ መምህር ሕጊ፡ እዞም ክልተ ጉዳያት ክሳብ ክንድዚ ብጽፉፍ ክፈላለዩ ኣይክእሉን እዮም።  

እቲ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ኣብ መወዳእትኡ ፍትሓዊ ፍርዲ ከካይድ ከምዝኽእል’ኳ እንተኣመነት - ማዱሮ’ውን መሰል ነጻነት ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ንመራሒ ሃገር ከይተረፈ ክረክብ - እቶም መስርሓት ግን ኩሉ ግዜ በቶም ናብኡ ዘምጽእዎ/ዘብጽሕዎ ኩነታት ክዕብለሉ ምዃኖም ትማጎት።

“እቲ ውጽኢት ብዘየገድስ፣ እዞም መስርሓት ብዘይሕጋውነት ወራር ዩኤስ ኣብ ልዕኒ ቨነዝወላን ዘይሕጋዊ ምሓዝ ማዱሮን ክድወኑ’ዮም።”

ምክትል ሓላፊት ቤት ትምህርትን ዲን ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒን ፕሮፌሰር ኤሚሊ ክራውፎርድ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ኣለዋ። ንሳ ሕጋውነት ምትሓዝ ማዱሮን ሕጋውነት መስርሕ ፍርዱን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሕቶታት’ዮም ትብል።

"ብዘይሕጊ ዝቐርብ ወይ ካብ ሕጊ ወጻኢ መጭወይቲ ቅድሚ ምቕራብ ናብ ፍርዲ ወይ መጋባእያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ንዝኾነ ድሕሪኡ ዝህሉ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዘጸልም ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝምልከት ዝተሓናፈጸ ኣካይዳ ኣብ መላእ ዓለም ኣሎ፣” ክትብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢራ።

ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ተኸሳሲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሓንቲ ሃገር ምምጽኡ፡ ንቤት ፍርዲ ግድን ስልጣን ፍርዲ ዝኸልእ ወይ ፍትሓዊ ፍርዲ ከየካይድ ዝኽልክል ኣይኮነን።

እዚ መትከል ወይ ርድኢት ኣብ ዘቤታዊ ቤት ፍርድታት ዩኤስ ይንጸባረቕ። ክሮውፎርድ ነቲ ናይ 1992 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዩኤስ ዝተኸታተሎ ጉዳይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንጻር ኣልቫረዝ-ማቸይን፣ ሓደ ዶክተር ኣብ ምጭዋይን መቕተልቲን ሓደ ኣባል ምምሕዳር ምኽባር ሕጊ ድራግ ዩኤስን ኣብራሪ ነፋሪቱን ተሳቲፉ ተባሂሉ ገበናዊ ክሲ ክቐርበሉ ተባሂሉ ካብ ሜክሲኮ ተጨውዩ ናብ ዩኤስ ዝመጻሉ፣ ከም ኣብነት ትጠቅስ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኩነታት ጭውያኡ (ብሰበስልጣን DEA ዝተቖጽሩ ሰባት’ዩ ተጨውዩ)፡ ንባዕሉ፡ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ካብ ምፍራዱ ኣይዓግቶን ክብል ወሲኑ።

“ኣብ መንጎ ፈጻሚ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን ድልዱል ምፍልላይ ስልጣን ዘለዋ ሃገር፡ ንሓደ ተጨውዩ ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ሰብ መሰል ግቡእ መስርሕ ክዕቅብን ክሕሉን ይኽእል’ዩ።”

እንተኾነ ግን፣ እቲ ውሳነ ኣካታዒ ኔሩ፣ እቲ ጭውያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ውዕል ምርኽኻብ ገበነኛታት ዩኤስ-ሜክሲኮ ጥሒሱ ዝብል መከራኸሪ ብምልዓል ተሪር ተቓውሞ ኣስዒቡ።

ኣልቫረዝ-ማቸይን ድሕሪኡ ነጻ ተባሂሉ።

ምትሓዝ ማዱሮ ሓድሽ ተርእዮ ክፈጥር ድዩ፧

ኣብ ማእከል ጉዳይ ማዱሮ ዘሎ ሕቶ፡ ክፍረድ ይኽእል ድዩ ዝብል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኩነታት ምቕያዱ ወይ ምሓዙ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ምኽሳስ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ንዝቐርቡ ክትዓት ክጸሉ ይኽእል ድዩ ዝብል’ዩ።

ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ቀንዲ ኣምራት ንሓደ መራሒ ሃገር ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብር ሕጊ’ዩ።

ጉዳይ ማዱሮ ዘይተለምደ ሕልኽልኽ የቕርብ፡ ንሱ ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን’ዩ ተታሒዙ፡ ሕጂ ግን ካብ ስልጣኑ ምስተኣልየ ኣብ ኣመሪካ ከም ፕረዚደንት ነበር ኮይኑ’ዩ ዝኽሰስ ዘሎ።

እዚ ሕቶ ብዛዕባ ዝምድና ኣብ መንጎ ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ነጻ ምዃን (ኢምዩኒቲን) ኩነታት ምእላዩን የልዕል። ንክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ፣ ኣብ’ዚ’ዩ ናይ’ቲ ጉዳይ ተኽእሎ ኣገዳስነትን ክብደትን ዝዓልብ።

ብራይትዋይዘር-ፋሪያ፣ እቲ ስክፍታ ዘቤታውያን ኣብያተ ፍርዲ ንሓደ መራሒ ነበር ይፈርድኦ ኣለዋ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ እቲ ማዱሮ ክመጽእ ወይ ክቐርብ ዝተገብረሉ መስርሕ ደኣ’ምበር ትብል።

“እቲ ሓደገኛ ኣብነት ወይ ተርእዮ ምጥቃም ዘቤታዊ ቤት ፍርዲ ኣይኮነን፣” ክትብል ድሕሪ ምውሳኽ “ሓደ መንግስቲ ንሓደ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ ዘይሕጋዊ ወይ ገበነኛ ኢሉ ክሰምዮ ወይ ስም ክህቦ ይኽእል፣ ነቲ መራሒ ክኣልዮ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀም፣ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዱ ከቕርቦምን ድሕሪኡ ድማ ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ምስኣን ስልጣን ተሞርኪሱ ነጻ ተሓታትነት ካብ ሕጊ ወይ ኢምዩኒቲ ክኸልኦም’ዩ።” ትብል።

ንማክኢንታየር ግን እቲ ጉዳይ ሓደ ሓድሽ ሕጋዊ ተርእዮ ብመንጽር ወግዓዊ ትርጉም ክፈጥረሉ ዝኽእል ተኽእሎ የብሉን።  

“ብሕጋዊ ትርጉም ሓድሽ ተርእዮ ወይ ኣብነት ክኸውን’ዩ ክብል ይጠራጠር።”  “

"ዝኾነ እንተኾይኑ፡ ግዝኣታት ንርእሰ-ረብሓ ምኽንያታት ናይ ናጽነት ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ሓደ ርእሰ-ሃገር ከኽብራ ይመርጻ። ኣዝዩ ናይ ቀደምን ስልዱል ሰረት ዘለዎን መምርሒ ልምዳዊ ዓለምለኸ ሕጊ'ዩ" ትብል።

ሓደ ንጽል ጉዳይ ንፖለቲካዊ ምክርኻራት ወይ መጻኢ ክትዓት ክጸልዎ ይኽእል፣ ግን በይኑ ንልምዳዊ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክቕይሮ ኣይክእልን’ዩ።

ከምኡ ዓይነት ለውጢ ብሓፈሽኡ ብእኹል መጠን ቀጻልነት ዘለዎን ብሰፊሑ ዝተዘርግሐን መንግስታዊ ኣገባብ ወይ ልምዲ፣ እቲ ኣገባብ ብሕጊ ዝተጠልበ ምዃኑ ምእማን ወይ ኦፒኖ ጁሪስ ዝተሰነዩ የድልይዎ።

ሓደ ፕረዚደንት ነበር ዩኤስ ምሕረት ገይራትሉ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉን ካልእ ድማ ኣብ ኒው ዮርክ ፍርዲ ኣብ ዝጽበየሉን፣ እቲ ክትዕ ብዛዕባ ሀርናንደዝን ማዱሮን ባዕሎም ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብዛዕባ ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኪንዮ ዶባታ፣ ምሕላው መሰልን ደረታትን ሉኣላዊ መሰል ሕጋዊ ዘይተሓታትነት (ኢምዩኒቲ)፣ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ሕጊ ሓያላት ሃገራት ብመንገዲ ቤት ፍርድታተን ኣቢለን ንመራሕቲ ካልኦት ሃገራት ክሃድንኦም ብእኹል ብቕዓት ክገትኦ ይኽእል ዶ ዝብልን’ውን’ዩ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now