ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2022)
ናይ ሎሚ ሓሙስ 18 ነሓሰ 2022 ናይ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ምሉእ ትሕዝቶ፥ ኣርእስታት ጽብጻብ፣ ወተሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ በይኑ ዝወሰኖ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዘፍረሶ ኣፍሊጡ። ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቱ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ጭካነ ይፍጸሞ'ሎ ክብሉ ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቦም። ኣብ ሱዳን ንኤርትራዉያን ዒላማ ዝገበረ በደላት ይወርድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ሓድሽ ናይ ትግርኛ መዝገበ ቓላት (ዲክሽነሪ) ኣፕ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ፧ ኢንጂኔር ኪፍላይ መሊሱልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ብሕቡእ ናይ ብዙሓት ምኒስተራት ስራሕ ጠቕሊሉ ብሕቡእ ዝተሸሞሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራብ ዛዕባ ኮይኑ ይቕጽል... ** ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 3.4 ሚኢታዊት ከምዝጎደለ ፤ ኣብዝሓለፈ ወርሒ 20,000 ስራሓት ወሲኹ ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ካልእን ።
Share