ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025)

SBS Tigrinya news

Source: Getty

ን ሎሚ 18 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ። ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ስዒቡ ብውሕዱ 344 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ሓቢሮም ። ኣብ ሱዳን ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም ። መራሕቲ ኤውሮጳ ሎሚ [18 ነሓሰን] ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪይን ፕረዚደንት ዩ-ስ ዶናልድ ትራምፕን ዝግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽካፈሉ ምዃኖም ገሊጾም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service