SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (18 ግንቦት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 18 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዓድማዒ ዘተ ምስላጢም ሓቢሮም። 13 ሆስፒታላት ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ከምዝረኸባ ተሓቢሩ። ህወሓት ንውሳነ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈሉ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ዝተኣሰሩ ሰባት መግቢ ተሓሲሞም።። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝሓለፈ ዝጀመርናዮ ዝርርብ ምስ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። ካልኣይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሓልዮት ን ኣለይቲ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኣለይቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብኸመይ ይርከቡ፧ ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ኣብ ፓሲፊክ ፡ ቻይና ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ብዛዕባ እተርእዮ ዘላ ኣድማዕነት ምስ መሻርኽቲ ንምምኽኻር ናብ ጃፓን የምርሕ ኣሎ ። ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ 3.9 ቢልዮን ዶላር ($2.6) ሓቲቱ ። ** ኤርትራ ልኡላውነታን ጸጥታኣን ከተውሕስ ቻይና ከምእትድግፍ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒን ገሊጹ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now