ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026)

SBS Tigrinya news

Source: Getty

ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብርሂ ኣለና። ንሎሚ (19/01/2026) ኣብ ካልኣይ ክፋል ዕላልና ዶክተር ኣማኑኤል ትርጉምን ኣመጻጽኣን ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዘሎ 'ሞንሮ ዶክትሪንን' ምላሽ ኣውስትራልያን ክትንትነልና'ዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ። ኣዛዚ ኣርሚ 15 ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ተኣሲሩ። ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ተፈፂሙ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓዋሚ ነቲ ሰልፊ ለበር ኣሚምዎ ዘሎ ሕጊታት ብዛዕባ ምዝራብ ጽሊኢ ኣብ ባይቶ ክሓልፍ ክቃወሞ ምዃኑ ኣየፍለጠን ። ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ ተባሂሉ። ኣብ ግጥማት ኣውስትራሊያ ኦፐን ምስንምለስ ካርሎስ ኣልካርታዝን ኣሪና ሳባለንካን ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ቲ ዉድድር ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service