ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሰነ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 19 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ክራኸብ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ "ዝተረጋገዐ መንግስቲ ክህልዋ ኣይከኣለን።" ክብል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ። ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ" ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ምክያድ ጀሚሩ። ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ። ኢትዮጵያ ንመርመርቲ ካብ ቅትለት ወጻኢ ብዝኾነ ገበናዊ ተግባር ዘየኽስስ ኣዋጅ ኣጽዲቓ። ኣሰራርሓ መድሕን (ኢንሹራንስ) ገዛን ትሕዝቶን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ፡ኣመሪካ ንኑክሌሳዊ ቦታታት ኢራን ኣብ ምውቃዕ ብቐጥታ ክትሳተፍ መደብ እንተ’ልዩ ፡ ርእይቶኡ እንተዘይሃበ’ኳ ብንጥፈት ይሓስበሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ ። ባይቶ U-K ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ገይሩ። ጋንታ ኲንስላንድ ኣብ ጸወታ ስቴት ኦፍ ኦርጅን 26 ን 24 ብዝኾነ ዓወት ስዒራ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service