ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026)

Source: Getty
ን ሎሚ ሓሙስ 19 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዜ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣብ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ተዓጊቶም ዝለዉ ኣዝማድ ቤተ ሰብን ምስዚ ዛዕባ ዝተሓሓዝ ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር ዝተገብረ ጻኒሒት ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ሞያ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ፥ ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዘትዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ይወሃብ ኣሎ። ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። ተሓላቒ ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ትግራይ "ሰባት ዓፊንካ ምጥፋእ"ን "ካብ ፍርዲ ወፃኢ ምእሳርን" ይጋደድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኢጣልያን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ G20 ክልተኣዊ ስምምዕ ዳግመ ውደባ ዕዳ ፈሪመን።መራሕቲ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘትዮም። ካብተን 31 ንግዳዊ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ እተን 25 ብምንኣስ ዓቕሚ ክወሃዳ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥቓ ኣህሳህሉያ ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መኸዘኒ ጋዝ ኣጥቂዓ። ናይ ሳውዝ ኣውስትራልያ ፕሪመር፡ ፒተር ማሊናውስካስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣሽተን ሃርንን ቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳም ዝግበር ምርጫ ፡ ናይ መወዳእታ ክትዕ ኣካይዶም ። እስራኤል ካልእ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ከምዝቐተለት ገሊጻ ፣ንሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝቕተል ዘሎ ሳልሳይ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኢራን'ዩ ።
Share



