ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ግንቦት 2025)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 19 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ምስ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ሎሚ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስታት አቶ ጌታቸው ረዳ ነፂጉ። ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚሮም ብደረጃ ሃገር ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጋዛ ሰፊሕ ሓድሽ ናይ መሬት ወተሃደራዊ ስርሒታት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ] ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፡ ንትምህርትታት ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያን ንምሕላው ቃል ኣትዮም ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፣ ኣብ ጀርመን፣ ተሳቲፉ ኣብ’ዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service