ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2023)

ሓሙስ 20 ሚያዝያ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ከተማ መልበርን ፈደራላዊን ግዝኣታውን ሚኒስተራት ዝተረኽብሉ ናይ ሓባር (ብዝሐ ባህላዊ) መደብ ኢፍጣር ረመዳን ቀዳም (15/04/2023) ተኻይዱ ነይሩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸብጻብ፥ ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘንበረቶ እገዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ዕንቅፋት ፈጢሩ። ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝተቛረጸ መኣዲ ትምህርቲ ትግራይ ዝመጽእ ሰሙን ክጅመር ዩ። መንግስቲ ፌደራል ከመሓድረን ዝፀንሐ ክልተ ዞባታት ትግራይ ንግዝያዊ መንግስቲ ኣረኪቡ። ሳልሳይ ዙርያ ምርካብ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጕጅለ 7 ንከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም። ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ10 ዓመታት ተኣሲሩ ዝፀንሐ ፓስተር ዓሪፉ ውን መቓብር ስኢኑ ተባሂሉ። ን ኩነታት ሱዳን ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ንጾታዊ ርክብ ፍቓደኛ ምዃን ብኸመይ ይረጋገጽ? ፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ትማሊ ዝዓረፈ ብገዛእ ርእሱ 'ህቡብ' ፡ ፋዘር ቦብ [muh-G'WIRE 'ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ተዋጋኢ' ን 'ናይ ህዝቢ ቀሺ' ን ይዝከር ኣሎ ። ** ፖለቲካውያን መራሕቲ: ካብ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓኑ ሰባትን ዘርኦምን መበል 80 ዓመት ንምዝካር ኣብ ዋርሶ ጌቶ ኡፕዚንግ ተኣኪቦም ። ** ጃፓን ድማ ዜጋታታ ካብ ሱዳን ከተውጽኦም ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service