ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026)

SBS Tigrinya news
Source: Getty

ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ።


ሎሚ ንግሆ ብዓወት ስጳኛ ዋንጫ ዓለም 2026 ተዛዚሙ ኣሎ፡ ብተኸታታሊ ነቲ ጸወታታት ዝምልከት ክንገብሮ ዝቐነና ጸብጻብን ትንታነን ግና ኣይዛዘምናዮን። ሎሚ’ውን ምስ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ን ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ምልስ ኢልና ክነዕልለሎም ኢና። ድሕሪ'ቶም ውጽኢታት ተፈጢሮም ዘለዉ ነቐፌታታትን ግብረመልስታትን'ውን ክንምልከት ኢና።

ናይ 2026 ቆጸራ ህዝቢ ሰሉስ 11 ነሓሰ እዩ ፡ ኣብዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቝጸር ኣለዎ ። ሓበሬታ ቘጸራ ህዝቢ ኣበይ ከም እንነብር ፡ ኣብ ቤትና እንጥቀመሉ ቛንቋታት ፡ ዘድልየና ሓገዝን ኣወስትራልያ ከም ህዝቢ ብኸመይ ትልወጥ ከም ዘላን ንምርዳእ ዘገልግል እዩ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ።

 

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ኤርትራ፣ ግብጽን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ምትእስሳር ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛትየን።

መራሒ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደራልን ዝግበሩ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት 'ግዜ መግዝኢ' እዮም ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ "ግፋ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣንጻር ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ ተኻይዱ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥ 

ስምምዕ ተዂሲ ካብዝፈርስ ንዳሓር ንፈለማ ሰራዊት ኣመሪካ ኣባላቱ ድሕሪ ምስኣኑ ኣመሪካ 'ንቴህራን ብኸቢድ ክምትቐጽዓ' ዋሽንግተን ኣጠንቂቓ።

ሰልፊ ጥምረት ነቲ መንግስቲ ብዛዕባ እስላሞፎብያ (ጽልኣት ኣብ ልዕሊ እስልምና) ኣብ ኣውስትራልያ ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ ይምርምሮን ኣብ ቀረባ ምላሽ ከምዝህበሉን ገሊጹ ።

ስጳኛ ኣንጻር ኣርጀንቲና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ  ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ተዓዋቲት ኮይና ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now