ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (20 መጋቢት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሎሚ ሰኑይ 20 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ብ 12 መጋቢት 2023፡ ኣብ ከተማ መልበርን ጽምብል መበል 13 ዓመታዊ ሽልማት ዓዋተ ምሩቓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ተኻይዱ ኔሩ። ብተወሳኺ ምሽላም ኣብ ማሕበረሰብ ኤርራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ተገይሩ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ተመሃሮን ተራ እዚ ስነስርዓት ምሽላምን ወለዲን፡ ምስ ኣተሓባባሪ ዓዋተ ሽልማት መምህር ኣልኣሚን ዓብደላን ከምኡ’ውን ዶ/ር ሳላሕ ጅምዕን ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኩናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግም ህንፀት ንምክያድ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ተሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዓመት ነዳዲ ንምዕዳግ ዝውዕክ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ። ብልጽግና ኢትዮጵያ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትን፥ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ኣምሳያ ናይቲ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ ስምምዕ ምህናጽ ናይ ኑክሌር ሳብማሪን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኲናት ንምኻድ ዋላሓንቲ ቃል ኣይኣተወትን ክብል ገሊጹ፡ ** ኒዮ ናዚዝም ንምክልኻል ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዝወስድ መንግስቲ ቪክቶሪያ ኣፍሊጡ። ** ኣርሰናል ንክሪስታል ፓላስ 4ብ1 ብምስዓር ኣብ መሳልል ፕሪመር ሊግ ቦታኣ ከተደልድል ክኢላ ኣላ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (20 መጋቢት 2023) | SBS Tigrinya