ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (20 መጋቢት 2023)
ናይ ሎሚ ሰኑይ 20 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ብ 12 መጋቢት 2023፡ ኣብ ከተማ መልበርን ጽምብል መበል 13 ዓመታዊ ሽልማት ዓዋተ ምሩቓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ተኻይዱ ኔሩ። ብተወሳኺ ምሽላም ኣብ ማሕበረሰብ ኤርራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ተገይሩ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ተመሃሮን ተራ እዚ ስነስርዓት ምሽላምን ወለዲን፡ ምስ ኣተሓባባሪ ዓዋተ ሽልማት መምህር ኣልኣሚን ዓብደላን ከምኡ’ውን ዶ/ር ሳላሕ ጅምዕን ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኩናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግም ህንፀት ንምክያድ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ተሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዓመት ነዳዲ ንምዕዳግ ዝውዕክ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ። ብልጽግና ኢትዮጵያ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትን፥ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ኣምሳያ ናይቲ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ ስምምዕ ምህናጽ ናይ ኑክሌር ሳብማሪን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኲናት ንምኻድ ዋላሓንቲ ቃል ኣይኣተወትን ክብል ገሊጹ፡ ** ኒዮ ናዚዝም ንምክልኻል ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዝወስድ መንግስቲ ቪክቶሪያ ኣፍሊጡ። ** ኣርሰናል ንክሪስታል ፓላስ 4ብ1 ብምስዓር ኣብ መሳልል ፕሪመር ሊግ ቦታኣ ከተደልድል ክኢላ ኣላ።
Share