ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 21 ሚያዝያ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩምን ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከ ሎሚ ብ ኣመንቲ ክርስትና በዓል ትንሳኤ ይኽበር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመጻጽኣን ኣከባብራን እቲ በዓል ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ስላሴ ብርስቤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ዳግማይ እግሪ ምትካል ነበር ተጋደልቲ መሊሱ ጀሚሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ማእኸል ከም ዝኸፍት ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣውስትራልያዊያን ኣድመጽቲ ኣቐዲምካ ድምጺ ምሃብ ካብ 22 ሚያዝያ ኣብ ዝጅምርሉ : መራሕቲ ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ምጅማሩ ፖለቲካዊ መብጽዓታቶም ይቕጽሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፍራንሲስ ኣብ ናይ በዓል ትንሳኤ መልእኽቶም ፡ ኣብ ጋዛን ዩክረይንን ካልእ ክፍለ ዓለምን ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኖም። ኣብ ተኒስ ፡ ዴንማርካዊ ሆልገር ሮይ-ኒ ኣብ ዓለም ካልኣይ ተርታ ዝስራዕ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒሩ ፡ ናይ ፈለማ ሻምፕዮን ዓወቱ ጨቢጡ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service