ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 21 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልቂት ሰባት ትትርኽ ናይ ብሓቂ ታሪኽ፡ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረን ነቲ ኩነታት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዝጸሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ • ቀዋሚ ማእከል ምክልኻል ኣምበጣ ምድረበዳ ከም ዘቖመት ኣፍሊጣ። እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ ። ኣብዚ ቅንያት ብዝተኻየደ ተፍትሽን ሓለዋን 50 ጥርጡራት ሒዙ የፃሪ ከምዘሎ ፖሊስ መቐለ ገሊፁ። ነበርቲ ከተማ ማይጨዉን ወረዳ እንዳ-መኾኒን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ተጋሩ ብዘይ ኲናት ይፀንቱ ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መስከረም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ወሲኑ መሰላት መሬት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እንታይ እዮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ በንያሚን ነታንያሁ ብዉልቁ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናይ ብሕቱ ጉዳይ ገይሩ ከም ዘይርእዮ ገሊጹ ። እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ጋዛ ከተካይዶ ወጢናቶ ዘላ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረቶ ተገሊጹ ። ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብታ ኣብ 2022 ዝተጸንበራን ጋንታ ኒውካስል ወጺኡ ምስ ሊቨርፑል ክጻወት ድሌየቱ ምዃኑ ገሊጹ።
Share