ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሕዳር 2025)

News SBS Audio Mic.png

ሎሚ ሓሙስ 20 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምስ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service