ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፧ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service