ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026)

Source: Getty
ን ሎሚ 22 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ መብርሂ ክህብ ል ኡኽና ጸጋይ ክንፈ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ንቖልዑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ? ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ? ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
Share




