ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሓምለ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 22 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ረፍዲ ዝበዝሓ ማዕከናት ዓለምጎኒ ንጎኒ እቲ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዉድር ምርጫ ምስሓቡ ታሪኻዊ ዓወት ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓብሊሉ ዘሎ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዓወት ኣብ ዜናናን ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ክንጥምቶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ናይ ታሕጓስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣስታት 15-ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ተገሊጹ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን ማይ-ነፍሒ፡ 381 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ ጐንደር ‘ዕጡቓት ፋኖ’ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሞትን ምዝንባል ልዕሊ 10 ሽሕ ነበርትን ኣስዒቡ ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጸገማትን የሕልፉ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዞም ረዳኢ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኩነታቶም ዝከታተል ዘሎ ሃብተኣብ የማነ ካብ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸመ ቅትለት ገሊጹልና ኣሎ። ኣርእስታት ዜና፥ ጂ ባይደን ካብ ዉድድር ንፕረሲደንትነት ስሒቡ፡ ንምክትሉ ካሜላ ሃሪስ ክትትክኦ መዚዙ። ኣውስትራሊያ ምስቲ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ ዝመጣጠን እኹል ኣባይቲ ኣይትሃንጽን ዘላ ተባሂሉ ። እስራኤል ፡ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይል ከምዘፍሸለቶ ገሊጻ ። ኣብዚ ረፍዲ ዝበዝሓ ማዕከናት ዓለምጎኒ ንጎኒ እቲ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዉድር ምርጫ ምስሓቡ ታሪኻዊ ዓወት ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓብሊሉ ዘሎ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዓወት ኣብ ዜናና ተንጸባሪቑ ኣሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service