SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሓምለ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 22 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ረፍዲ ዝበዝሓ ማዕከናት ዓለምጎኒ ንጎኒ እቲ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዉድር ምርጫ ምስሓቡ ታሪኻዊ ዓወት ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓብሊሉ ዘሎ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዓወት ኣብ ዜናናን ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ክንጥምቶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ናይ ታሕጓስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣስታት 15-ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ተገሊጹ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን ማይ-ነፍሒ፡ 381 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ ጐንደር ‘ዕጡቓት ፋኖ’ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሞትን ምዝንባል ልዕሊ 10 ሽሕ ነበርትን ኣስዒቡ ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጸገማትን የሕልፉ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዞም ረዳኢ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኩነታቶም ዝከታተል ዘሎ ሃብተኣብ የማነ ካብ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸመ ቅትለት ገሊጹልና ኣሎ። ኣርእስታት ዜና፥ ጂ ባይደን ካብ ዉድድር ንፕረሲደንትነት ስሒቡ፡ ንምክትሉ ካሜላ ሃሪስ ክትትክኦ መዚዙ። ኣውስትራሊያ ምስቲ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ ዝመጣጠን እኹል ኣባይቲ ኣይትሃንጽን ዘላ ተባሂሉ ። እስራኤል ፡ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይል ከምዘፍሸለቶ ገሊጻ ። ኣብዚ ረፍዲ ዝበዝሓ ማዕከናት ዓለምጎኒ ንጎኒ እቲ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዉድር ምርጫ ምስሓቡ ታሪኻዊ ዓወት ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓብሊሉ ዘሎ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዓወት ኣብ ዜናና ተንጸባሪቑ ኣሎ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now