ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሰነ 2023)
ናይ ሓሙስ 22 ሰነ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ እዚ ሰሙን ቅነ ስደተኛታት እዩ ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታትን ብድሆታቶምን ዝምልከት ምስ መምህር ኣል ኣሚን ዓብደላ ዝርርብ ገይርና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ሩስያ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ምዕቡል ብዙሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክጻወር ዝኽእል ኣጽዋር ውግእ ናይ ሳርማት ኢንተርኮንቲነንታል ባላስቲክ ሚሳይላት ፡ ክትጥቀመሉ ዘይተርፍ ምዃኑ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣፍሊጡ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምሕታት ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ኣውስትራሊያ ። ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ብኲናት ዝተጎድአ ሕርሻ ትግራይ ንምሕጋዝ ከምዝሰርሕ ገሊፁ። ቻይና ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባት ማይን መስመር ባቡር ሓዊሱ ብቻይና ዝድገፉ ፕሮጄክቲታት ዳግም ንምጅማር ድሌት ከምዘለዋ ኣነጺራ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክኸፍል ተሓቲቱ ኤርትራ ንክሲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ። ኣርእስታት ዜና፥ ** እቲ ኣብ ሱዳን ን72 ሰዓት ዝቐጸለ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብረቡዕ [21 ጁን] ምስወደአ ሓያል ውግእ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ሓይልታት ዳግም ተባሪዑ። ** እታ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኣትላንቲክ ጠፊኣ ዘላ ሳብማሪን ንምድላይ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ ። ** ካብ 1 ሓምለ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ዋጋታት ኤለክትሪክ ክሳብ 80 ሚኢታዊት ክውስኽ ትጽቢት ኣሎ።
Share