ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሰነ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሓሙስ 22 ሰነ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ እዚ ሰሙን ቅነ ስደተኛታት እዩ ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታትን ብድሆታቶምን ዝምልከት ምስ መምህር ኣል ኣሚን ዓብደላ ዝርርብ ገይርና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ሩስያ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ምዕቡል ብዙሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክጻወር ዝኽእል ኣጽዋር ውግእ ናይ ሳርማት ኢንተርኮንቲነንታል ባላስቲክ ሚሳይላት ፡ ክትጥቀመሉ ዘይተርፍ ምዃኑ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣፍሊጡ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምሕታት ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ኣውስትራሊያ ። ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ብኲናት ዝተጎድአ ሕርሻ ትግራይ ንምሕጋዝ ከምዝሰርሕ ገሊፁ። ቻይና ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባት ማይን መስመር ባቡር ሓዊሱ ብቻይና ዝድገፉ ፕሮጄክቲታት ዳግም ንምጅማር ድሌት ከምዘለዋ ኣነጺራ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክኸፍል ተሓቲቱ ኤርትራ ንክሲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ። ኣርእስታት ዜና፥ ** እቲ ኣብ ሱዳን ን72 ሰዓት ዝቐጸለ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብረቡዕ [21 ጁን] ምስወደአ ሓያል ውግእ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ሓይልታት ዳግም ተባሪዑ። ** እታ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኣትላንቲክ ጠፊኣ ዘላ ሳብማሪን ንምድላይ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ ። ** ካብ 1 ሓምለ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ዋጋታት ኤለክትሪክ ክሳብ 80 ሚኢታዊት ክውስኽ ትጽቢት ኣሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service