Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (22 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሰኑይ 22 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፥


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 22 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፥


ኣብ’ዚ እዋን ቀዳማይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ተዛዚሞምስ ካልኣይ ዙርያ ግጥማት’ውን ተጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ኩሉ ሕልኽላኻቱን ፖለቲካዊ ጽልዋታቱን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፧ ጉዕዞ’ተን ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝረጋረጋ ዘለዋ ሃገራትን ጋንታታትን ከመይ ኣሎ፧ ንሎሚ’ውን ምስ ጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ገምጋም ምጥንቓቕ ቀዳማይ ዙሩያ ምድባዊ ግጥማት ዝምልከት ኢብራሂም ዓሊ ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ዘቕረብዎ ትንታነ ክቐርብ እዩ።

ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ “ጸገም ድቃስ ምስኣን፡” ዝምልከት ክጥምት እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡

መረፃ ኢትዮጵያ ፓርቲ ብልጽግና ካብ 486 መንበራት ፓርላማ 438 ተዓዊቱ።

ኢትዮጵያ ንዘዕቖበቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝነደፈቶ "ምሕዋስ' ዝተሰምየ ሃገራዊ ንድፊ ወግዓዊ ገይራ።

ልኡኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ከም "ናይ ጂኦፖለቲካዊ ውድድር" ከረአ የብሉን ኢሉ።

ህወሓት፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ዘይሚዛናውዊ' ብምባል ነጺጉዎ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ዋጋ ነዳዲ ንምፍኳስ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ክቕጽል ተወሲኑ።

ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኤል ኦቤድ መጠነ ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢ ከስዕብ ዝኽእል ካልእ መጥቃዕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቐን ።

ካብ ጸወታት ዋንጫ ዓለም 2026፥ ስጳኛ ንስዑዲ ዓረብ 4-0 ብምስዓር ፡ ካብቲ ዘሰምብድ ናይ ኬፕ ቨርደ ስዕረት ከየጋጠማ ተገላጊላ ።

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now