SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ግንቦት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 22 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ 1.5 ትሪልዮን ብር (28 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝገጠማ ገሊጻ። ዓመታዊ እቶታት ጅቡቲ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ ። መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ 24 ግንቦት፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይጽንበል ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ሽረ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዑድት ኣሳሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማእከል ክልተ ቅልውላው ዝተቐርቀሩ ተጋሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓጸቦ ዘለዉ ተገሊጹ። ምስ ተንታኒ ፖለቲካ ሳልሕ ጋዲ ጆሃር ካብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ምስ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ቻይና ተተሓሒዙ፡ ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲን ርክባት ቻይናን ኤርትራን፡ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝህልዎ ጽልዋን ዝተተሓሓዙ ሕቶታትን መልሲታትን ቀሪቦም ኣለዉ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንዩክረይን ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናትን ንፓይሎታታ ንምስልጣንን ኣመሪካ ን ዩክሬን ዝግበር ናይ ደገፍ መደባት ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ሓገዝ ንምሃብ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ ። ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ ጃፓን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝተሳተፈሉ ዋዕላ መራሕቲ G-7 እዩ ገሊጹ ። ነዚ ዝምልከት ትንተና ዜና ኣብ መወዳእታ ድማ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ናብ ኣውስትራልያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምግባር ጽባሕ ክመጽእ እዩ ። ** ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሩስያ ንከተማ ባክሙት ከም እተቖጻጸረት ንዘቕረበቶ ዜና ነጺግዎ ። ** ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ብኖትርግሃምፎረስት ድሕሪ ምስ ዓራ ማቸስተር ሲቲ ኩዕሶ ከይቀልዐት ሻምፕዮን ኮይና።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now