ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2026)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ን ሎሚ ሓሙስ 23 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዜና፡ ትንታነ ዜና፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝሓዘ እዩ።


ፕሮግራም NDIS ብ 2013 ክጅምር ከሎ ክሳብ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ከምዝድግፍን ዓመታዊ 13.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘውጽእን እዩ ተመዲቡ ጀሚሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 760,000 ተሳተፍቲ ናይ NDIS ብምንባሮም ፡ እቲ ወጻኢታት ኣብ ዓመት 50 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ። መንግስቲ ነዚ ገዚፍ ወጻኢታት ንምጉዳል ተጠቀምቲ ከጉድልን ናይዚ መደብ ተሳተፍቲ ንምምራጽ ልዑል መስርሕ ምጽራይ ከተኣታቱ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና።

ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ እቲ ኣቓልቦ ዘይወሃቦ ታሪኽ: ወተሃራዊ ኣገልግሎት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC): ክድህስስ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ተቀቢሉ ኣዘራሪቡ።

ስልጣኑ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቴዲ ኣፍሮ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣንን ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እቲ ዞባ ዘየቋረጸ ግህሰት ይፍጽሙ ምህላዎም ሂውማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጡ።

'ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተሰጒጎም'።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

ኣርእስታት ዜና፥

መንግስቲ ን ሃገራዊ ማዕከን መድሕን ስንኩላን ወይ NDIS ወጻኢታት ንምንካይ ለውጢ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ።

ኢራን ፡ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ገይራቶ ዘላ መዕገቲ ምስ ምስ ኣልዓለቶ ፡" ድሕሪ ሓጺር እዋን ፡ ኣብ ፓኪስታን ዝርርብ ሰላም ከም ዝጅምር ገሊጻ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቲ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ መሰላት ብምጕላሕ ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ዑደት ፈጺሞም ።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now