ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026)

Daily News SBS Tigrinya
Source: Getty

ንሎሚ 23 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Share this with family and friends


ንሎሚ 23 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ።


ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ሓያል ሃሩር ፡ ይልብለባ ኣለዋ። በዚ ከኣ ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ባርዕ መሮር ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ። ኣብ ዓለም ብቅልጡፍ ትመዉቕ ዘላ ኣህጉር ኤውሮጳ ፡ ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ዋዒ ፡ ብድርቅን ኣዕናዊ ባርዕ ዱርን ኣዝያ ትጥቃዕ ኣላ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና ኣለና።

ንሓደ ወርሒ ኣቓልቦ ስሒቡ ዝወረሐ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ብዓወት ስጳኛ ተዛዚሙ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ጸወታት ግና ሕጂ ውን ኣርእስተ ዜና ካብ ምዃን ኣየብቀዐን። ክሳብ ግጥም ፍጻመ ኣርጀንቲናን ስጳኛን ዝነበረ ሓፈሻዊ ገምጋም ክህበና ንሎሚ’ውን ንተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ዓዲምናዮ ኣለና፡ ምስ ኢብራሂም ዓሊ ከዕልሉ እዮም።

ሎሚ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ኣውስትራሊያ መንእሰይ ዉሉደይ መዓስ'ዩ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል? ዝብል ትሕዝቶ ኣዳሊና ኣለና።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡

ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ካልእ ሓድሽ ዘስካሕክሕ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ዝዓለመ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደብዳበ ጽሒፉ።

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዕላዊ ገይሩ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ተመያዪጦም።

  

ኣርእስታት ዜና፥

 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ እትገብሮ ዓብዪ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ንምጽዳቕ ትዳሎ ኣላ: በዚ ስምምዕ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብታ ንግስነት ኒክለሳዊ ኣጽዋር ከማዕብላን ከካይዳን እየን።

ክፍሊ ጥዕና ፈደራል ፡ ሰባት ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥም ደገፍ ክደልዩ ንምትብባዕ ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሓድሽ ናይ ኣፍልጦ ወፍሪ ኣበጊሱ ኣሎ ።

ናይ ቀደም ሓለቓ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ፡ ሶኮሩስ ፖል ዋደ  Paul Wade ሕማም encephalopathy ወይ CTE ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

 

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now