ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2023)
ናይ ሰኑይ 24 ሚያዝያ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ዝእሰሩን ዝሳቐዩን ዝጣበቕ ኣቶ ሃኒባል ዳንኤል ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ንዓሰርተ ዓመት ተኣሲሩ ምስተፈትሐ ዝዓረፈ እሞ ብዛዕባ ቀብሩ ከሰሓሕብ ዝቐነየ ፓስቶርን ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ “ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና" ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ። “መንግስቲ ምስ ኦነግ ኣብ ታንዛኒያ ከምጅመር’ዩ” ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ስድራቤትን ኣማኻሪ ሕግን ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም። ጽባሕ 25 ሚያዝያ መዓልቲ ኣንዛክ እያ ። ኣብ ሃገራዊ ህይወት ናይ ኣውስትራሊያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዚዩ ኣድላይን ኣገዳስን መዓልቲ እዩ ። እዛ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ መገዲ እትብዓል መዓልቲ እያ ፣ እዚ መዓልቲ እዚ ፡ ካብታ ታሪኻዊት ዕለት ጀሚርካ ኽሳዕ ረዛን መዓልቲ ከምኡ'ውን ብ ከቢድ ሓዘን'ውን ትዝከር እያ ። ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ትንታነ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ ማራቶን ለንደን ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ሊየዥ-ባስቶን-ሊየይዥ ኤርትራዊያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ዙር ኣልፕስ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ጽዑቕ መርመራታቱን ሕክምናዊ ምክታትልን ድሕሪ ምውድኡ ሕውየቱ ክቕጽልን ልምምድ ክጅምርን ናብ ኤርትራ ክኸይድ ፈቓድ ተዋሂቡ፣ * ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓያሎ ናይ ወጻኢ ሃገራት፡ ዜጋታተን ብመገድታት: ብኣየርን ባሕርን ኣቢሎም ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ናይ ምውጻእ መስርሕ ወዲአን። ** ፍሉጥ ተዋዛያይ፣ ተዋሳኣይን ደራሲን ባሪ ሃምፍሬስ ዓሪፉ ** ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና" ክብል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።
Share