Full Program_tigrinya
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)

ን ሎሚ 25 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። ምስ ጸሓፊ እታ መጽሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋል ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ’ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት ኣመዝጊባ። እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ጥርዓን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ክነጽጎ ከሎ ፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተቐቢሉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ ወርቂ ይሃንጽ ምህላዉ ገሊጹ። ጽምዋን ጭንቀትን ነንሓድሕዶም ዝመጋገቡ ጸገማት'ዮም፣ ከመይ ንሕዞም፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ኣብ ጋዛ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም ። ** ርእሲ ከተማ የመን ሰንዓ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተወቒዓ። ** ጋንታ ፍሪ ማንትል ንWestern Bulldogs ብ15 ነጥቢ ብምስዓር ናብ ናይ ፍጻመ ግጥማት A-F-L ሓሊፋ ።
Share