ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (25 ሓምለ 2022)

Source: Getty Images
ናይ ሰኑይ 25 ሓምለ 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና SBS ትግርኛ ሒዝዎም ካብዘሎ ትሕዝቶታት፥፡ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና፥ ፍ/ልኡኽ ኣሜሪካን ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝርከብአን ሃገራት በበይኑ ዑደት የካዱ ኣለዉ። ኣብ መስመር ኢትዮ-ጁቡቲ ሓሙሽተ መራሕቲ መካይን ፅዕነት ተቐቲሎም። ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት (ብዕጽፊ) ካብ 28 ቢልዮን ናብ 56 ቢልዮን ዶላር ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ። *ትንታነ ዜና፥ ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ኣብ ወደባት ዩክረይን ተኸርዲኑ ዝርከብ እኽሊ ክስደድ ናይ ፈለማ ስምምዕ ተጌሩ። ኣብ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ፈስቲቫላት ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ዝምልከት ምስ ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ኣሎ፡ *ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶታትን ክቐርቡ እዮም
Share