Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (25 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።


ምድባዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ ኣጋ ምዝዛም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ኩሉ ሕልኽላኻቱን ፖለቲካዊ ጽልዋታቱን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፧ ጉዕዞ’ተን ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝረጋረጋ ዘለዋ ሃገራትን ጋንታታትን ከመይ ኣሎ፧ ምስ ጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ገምጋም ዝምልከት ኢብራሂም ዓሊ ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ዘቕረብዎ ትንታነ ካልኣይ ክፋል ክቐርብ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡

ኪዳን ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ብምርጫ ዝተዓወቶም መንበራት ከምዘይርከብ ኣፍሊጡ፤ ኣባላቱ እውን ፓርላማ ከይጽንበሩ ኣጠንቂቑ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት "ሓድሽን ኣዝዩ ዝለዓለን" ደሞዝ ተገይሩሎም ኢሉ።

ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ሰብ-መዚ ትግራይ ሓድሽ ዘውጽእዎ ሕጊ ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ክስርዙ ሓቲቱ።

ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናብ ዞባ ምብራቕ ሊብያ ከይኣትዉ ተኣጊዶም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ሾሞንተ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ተፈሪድዎም ዝነበሩ 343 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ጅቡቲን ናይ ኤምሬትስ ኩባንያ ነዳድን ንዕዳጋ ኢትዮጵያ ዝውዕል ምስፍሕፋሕ መሰረተ-ልምዓት ነዳድ ኣመልኪቶም ተመያይጦም።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ብዝኸፈቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዕርዲ ተቓወምቲ ከም እተቖጻጸረ ኣፍሊጡ*

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ፖሊን ሃንሰን ፡ መብዛሕትኦም ኣውስትራልያውያን ብሕብረ ብዙሕ ባህሊ/multicultural ዘይኰነስ ፡ ን ኣሃዳዊ ባህሊ/monocultural ዘለዋ ሃገር ክትከውን ንዚገበረቶ ጻዊዒት ከም ዝድግፍዎ ገሊጻ ።

እቲ ኣብ NDIS ተገይሩ ዘሎ ለውጢ ኣብ ውኡሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ልዕሊ 200,000 ሰባት ካብቲ ደገፍ ከምዝእለዩን ናይ 38 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከድሕንን እዩ ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ ክልተ ሸቶ ብምምዝጋብ ፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም እቲ እንኮ ተጻዋታይ ንሽዱሽተ ግዜ ኲዕሶ ኣብ መርበ ዘእተወ ተጻዋታይ ኮይኑ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now