ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 25 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ባርዕ ጫካ እናገደድደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተቐትሉ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 133 ሰባት ሓዘን ተኣዊጁ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ።
Share