ን ሎሚ ሰኑይ 25 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 35 መዓልቲ ነጻነት የኽብር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካብቶም ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዝ ኣተዉ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ዝኾነ ዳን ኤል ጋርዛ ብዛዕባቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ስምዒቱ እንታይ ከምዝነበረን ዝተፈጸመ ኩነታትን ኣዘንትዩልና ኣሎ።
ዕዳጋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም። መሸጣታታት ካልኣይ ኢድ ወይ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (ኢቪ) ድማ ብተመሳሳሊ ብናህሪ ወሲኾም። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡
ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ።
ኣብቲ ዕለት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ዋሽንግተንን 'ሓድሽ ምዕራፍ' ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጣ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጉዳይ ኣሜሪካ ዘሎ ተበግሶ ብህድኣት ከም ዝርእዮ ተዛሪቡ።
ህወሓት'ውን ብምኽንያት መበል 35 ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ መልእኽቲ ዮዉሃና ሰዲዱ።
መንገዲ ኣየር ባድር ካብን ናብን ኣስመራ ንግዳዊ በረራታት ጀሚሩ።
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ "ጽምዶ" ተቓውሞ ኣስሚዑ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ሎሚ ፌደራላዊ ምርጫ እንተ ዝካየድ ነይሩ ፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ክሳዕ 59 ዝዀኑ መናብር ታሕተዋይ ባይቶ ክሕዝ ይኽእል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቱ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝምልከት ምርመራታት ይቕጽሉ ኣለው ።
ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም።
ዌስት ሃም ዩናይትድ ፡ ካብ ዝርዝር ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ክትወርድ’ከላ ቶተንሃም ግን ንስክላ ድሒና።





