ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024) | SBS Tigrinya