ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 26 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሪሕነትን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ዘተ ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024) | SBS Tigrinya