ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፕኦድካስት (27 ሚያዚያ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 27 ሚያዝያ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ኲናት ብዙሓት ስደተኛታት ዓቕሎም ጸቢብዎም ናብ ምብራቕ ሱዳን ይግዕዙ ኣለዉ። ጋዜጤኛ 3CR ብርሃን ጃብር እስማዒል ብዛዕባ'ዚን ህልሉው ኩነታት ሱዳንን ኣብሪሁልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣትዮም። ፊንላንድ ኣብ ዳግመህንጻ ትግራይ እጃማ ከም ትዓምም ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ተመያይጡ። ኣፈፃፅማ ተሓታትነት ገበን ኲናት ትግራይ ተደናጕዩ ክብል ሕብረት ኣውሮፓ ገሊጹ። ኣብ ጥዕና ነበርቲ 'ሓደገኛ' ጉድኣት ኣስዒቡ ዝተበሃለ ስፍራ ዕደና ወርቂ ሚድሮክ ብቕልጡፍ ክዕጾ ተሓቲቱ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ብዘይፍታው ወሲባዊ ዓመጽ ወይ ሬፕ ኣጋጢሙ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምስ ቀረበ እንታይ’ዩ ዝጋጥም፧ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣውስትራሊያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቪዛ ምድብ ለውጢታት ከም እትገብር ኣፍሊጣ ። ** ኣብ ገማግም ጥቓ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ብሰሉስ [25 ሚያዝያ] ንግሆ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ጥሒላ: ናይ ሓደ ህጻን ዝርከብዎም ዓሰርተ ሓደ ሬሳታት ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብቲ ባሕሪ ወጺኡ ። ** ማንቸስተር ሲቲ ን ኣርሰናል 4 ብ 1 ብምስዓር ኣብ ግጥማት ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ሻምፕዮን ናይ ምዃን ዕድላ ኣቕሪባቶ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service