ን ሎሚ ሰኑይ 27 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም።
ሰላም ኣብ 2008 ጓል 19 ዓመት እንከላ'ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ንኣስጋገርቲ ከፊላ ዶብ ሰጊራ ናብ ሱዳን ኣትያ ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ጸናሐት ፡ ብ2011 ናብ ኣውስትራሊያ ክትኣቱ'ከላ ፣ እንግሊዝኛ ኰነ ዝሓዘቶ ፓስፖርት ኣይነበራን ። ሎሚ ደቃ እናዕበየት ወናኒት ትካል ኮይና ንገዛእ ርእሳን ካል ኦትን ስራሕ ፈጢራ ትነብር ኣላ።
ብ2020 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበረት ሓፍታ ንኸተምጽኣ ሓገዝ ደልያ ናብቲ ዶክተር ብርሃን ዝመርሖ Africause ናብ ፉትስክረይ በጽሐት። ብመገዲ ዶ/ር ብርሃን ኣቢላ ድማ ናይ ጽርየት ስራሕ ትረኽበሉ መገዲ ረኺባ። እቲ ዝጀመረቶ ስራሕ ማዕቢሉ ንገዛእ ርእሳ ኮይና ደቃ እናዕበየት ካልኦት ኣብ ትሕቲኣ ካልኦት’ውን ስራሕ ክረኽቡ ዕድላ ከፊታ ትርከብ። ነዚ ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይትፈልጥ ዝነበረት ስደተኛ ናብ ወናኒት ስራሕ ዘሰጋገረ ህይወት ምስ ሰላምን ምስቲ ዝሓገዛ ዶ/ር ብርሃንን ኮይና ዳህሲስናዮ ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡
ኣብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘላቒ ሰላም ክሰፍንን ዘተ ክጅምርን ኣብ ካርቱም ዝተመስረተ ዞባዊ ኪዳን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኤውሮ-እስያ ተሳቲፉ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ኣምቡላንሳት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስርሖም ከምዘቋረጹ ተሰሚዑ።
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ተገሊጹ።
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ ብዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሰሚዑ።
ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ዓሌትነትን ጽልኢ ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ክወስዱ ጻውዒታት ቀሪቡ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ፖሊስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ንዓጀብቱን ዝግበር ሓለዋ ድልዱል ከምዝነበረ ገዛእ ርእሶም ይከላኸሉ።
ኬንያዊ ኣትሌት ሳባስትያን ሳው ኣብ ለንደን ኣብ እተገብረ ውድድር ማራቶን ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ክልተ ሰዓት ጊዜ ማራቶን ብምስባሩ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ።




