ንሎሚ 27 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።
ን ሎሚ ሰኑይ 27 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ :
ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራሕ ይርከብ። ንኻልኦት ተመክሮ ክኸውን ዝኽእል ጉዕዞ ትምህርቱን ስርሑን ኣካፊሉና ኣሎ።
ገምጋም ጸወታታት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡
በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።
ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛቱ ንምቕጻል 182 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።
ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ 114 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ማዕርግ ኣመሪቑ።
ብርቱዕ ምዝባዕ ነባሪ ኣየር ዘንቀሎ "ሱፐር ኤል ኒኖ» ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ቁጠባዊ ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቑ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ነቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝግበር ዝነበረ በዓል ፕራይድ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ዝቐተለን 29 ድማ ዘቑሰለን ጥርጡር ብጥይት ፖሊስ ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ።
ምምሕዳር ትራምፕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክህብ ብምባል እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፡ ደው ካብ ዝብል ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ።
ታዴይ ፖክጃ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ንሓሙሻይ ግዜ ተዓዊቱ ።






