ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 28 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብዛዕባ ኣተረጓጉማ ቃላትን ሓሳባትን ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ምስ ጸሓፊ ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም። 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። 28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ብኲናት ዝተጸልዉ ሃገራት ክኸውን ድሕሪ ምግባራ፣ ሓደ ኣውስትራልያዊ ምህዞ/ፈጠራ ንጻዕርታት ምጽራግ-ነተጒቲ ብዓቢይ መጠን ቀይርዎ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንፍልስጤምን እስራኤልን ፍታሕ ክልተ ሃገር ብዛዕባ ዝትግበረሉ መገዲ ንምምይያጥ ፡ ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ይእከባ ኣለዋ ። ** ታይላንድን ካምቦዲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሎሚ ኣብ ማለዥያዝርርብ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ ። ** ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፡ ታዴ ፖካቻር ፡ ንራብዓይ ግዜ ቻምፕዮን ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ኣብ ወለዶኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ዓብላሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ ።



Share

Recommended for you

Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025) | SBS Tigrinya