ቀጥታ ምሉእ መደባት SBS ትግርኛ (28 መጋቢት 2022)

Source: SBS Tigrinya
ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኤርትራ ምስ ጃፓን ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ክትሰርሕ ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጾም። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ሃገር ሬር ኣዲሚራል ክንዱ ገዙ ተዛሪቡ። ምቋራጽ ተኹሲ ኩናት ትግራይ ንፖለቲካዊ ሸርሕታት ከይውዕል ጥቡቕ ጥንቃቐ ከም ዝግበር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጾም። ሰበስልጣን ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ከቋርጹዎ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ቃለ መሕትት፥ ምስ ተዋስኣይ፡ ደራፊ፡ ጸሓፊን ኣላዪን ፊልም ሓጐስ ወልደገብርኤል (ሱዚኒኖ)ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋሉ ሎሚ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ መደብ ስፖርት፥ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰንበት ኣብ ናይ ቅድድም ህይወቱ ዝዓበየ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ታሪኻዊ ዓወት ኸንት-ዊቪልኸም ፈንጢሱ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ፣*
Share