ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 ግንቦት 2026)
ን ሎሚ ሓሙስ 28 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 35 መዓልቲ ነጻነት ኣኽቢሩ ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካብቶም ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ዝኾነ ዳንኤል ጋርዛ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ስምዒቱ እንታይ ከምዝነበረን ዝተፈጸመ ኩነታትን ኣዘንትዩልና ኣሎ።ምስ ተጋዳላይ ዳኒኤል ዝተገብረ ዕላል ካልኣይ ክፋል ከነቕርብ ኢና።
ብዛዕባ ዉዕል ኣብርሃም- ABRAHAM ACCORDS ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡
በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣስመራን መቐለን ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኸቢሩ ውዒሉ።
ጉዳይ ዶብ ምስ ኤርትራ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ትካል ሓቲቱ።
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዝመርሖ ጕጅለ ተዓዛቢ መረጻ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
ዝመጽእ ሰኑይ ዝካየድ መረጻ፡ ትግራይን ሸሞንተ ናቑጣታት ኣምሓራን ከም ዘይካየድ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ እዩ።
ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ንጥሕሰት ሕጊ መንግስቲ ፌደራልን ግፋ መናእሰይ ኣብ ትግራይ ኣውጊዞም።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ኣብ ኣውስትራሊያ ዓይነት ሓደ ሽኮርያ (type one diabetes) ንኸይወጽእ ክደናጐ ዝኽእል መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጸዲቑ።
ካናዳ ፡ ካብ ብኢቦላ እተጠቕዓ ሃገራት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ኡጋንዳ ወይ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ገያሾ ፡ ን21 መዓልቲ ርእሶም ኪግልሉ ኽትሓትት ክትጅምር እያ ።
ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ናይ ሓጅ ጕዕዞ ፡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ተሳቲፎም ።
ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ናይ ፈለማ ግጥም ስቴት ኦፍ ኦሪጂን ብ 22-20, ተዓዊታ።





