ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2024)

SBS Daily News

Source: SBS

ንሎሚ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ነዚ ዝምልከት ሃጺር ጸብጻብ ኣለና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service