ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ብወገና ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ ላ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐብ እዩ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ኣብ ኣውስትራሊያ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ: ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service