ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2026)

Source: Getty
ን ሎሚ 29 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ። ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡ ክንርእይ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ ዝቕባበ ምውሳኹ ፡ ቊጠባ ሃገር ንምርግጋእ ዝያዳ ዕዮ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ ክብል ትረዠረር ጂም ቻልመስ ገሊጹ ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ንዘተ ፍጹም ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብርቱዕ ምላሽ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጃኒክ ሲነር ን ኣመሪካዊ በን ሸልተን ሲዒሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ።
Share




